ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር፣ ኣብ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ንኹሉ ሕብረተሰብ ብዘሳተፈ መልክዑ ከምዝኽበር ተገሊፁ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ሃገር ለኸ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣርባምንጭ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ መዓልቲታት ከምዝኽበር ኣፍሊጡ።
በዚ ድማ 25 ሕዳር መዓልቲ ሕውነት፣ 26 ሕዳር መዓልቲ ሓድነት፣ 27 ሕዳር መዓልቲ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ 28 ሕዳር መዓልቲ ዘተ ከምኡ እውን 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም መዓልቲ ኢትዮጵያውያን ብዝብል ስያመ ብዝተፈላለዩ ፍፃመታት ከምዝኽበር ተገሊፁ።
ኣብ ብዙሕነት ዝተመስረተ ሓድነት ሱር ንኽሰድድን ክድንፍዕን ብምግባር ህብረብሄራዊ ሓድነት ምጉልባት ቀንዲ ዕላማ እቲ በዓል ከምዝኾነ ዋና መተሓባበሪት እቲ በዓል ወ/ሮ ባንችይርጋ መለሰ አብ ዝሃበኦ መግለፂ ተዛሪበን።
መበል 19 በዓል መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ክኽበር ኢዩ።
ብዙፋን ካሳሁንን ወንድሙ ኣዱኛን