ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 19 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰብን ህዝብታትን ዝጠመተ ሲምፖዚየም ሎሚ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ክካየድ ኢዩ።
“ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝኽበር እቲ በዓል ብድምቀት ንምኽባር ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ምድላዉ ዛዚሙ ኣሎ።
እቲ በዓል ንምኽባር ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቴዎድሮስ ምሕረት፣ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከንቲባ ክልቲአን ምምሕዳራት ከተማን ናብ ከተማ ኣርባምጭ ኣቲዮም።
ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ናብታ ከተማ ይኣትዉ ኣለዉ።
ነቶም ኣጋይሽ ብመሰረት ኢትዮጵያዊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ ድሙቕ ኣቀባብላ ይግበረሎም ኣሎ።