መበል 16 ጉባኤ ብሪክስ ኣብ ሩሲያ ካዛን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 ጉባኤ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ሩሲያ ከተማ ካዛን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ጉበኤ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ ተፈላለያ ሃገራት መራሕቲ፣ ርእሰ ብሄራት ከምኡ እውን ሚኒስትራት ጌጉዳያት ወፃኢ ኣብቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ኢዮም፡፡

ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ፤ ኣብ ሞንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ኢኮኖሚን ቴክኖሎጂን ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝዝቲ ትፅቢት ይግበር፡፡

ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ደድማ ዝተፈላለዩ ክልተኣዊ መድረኻት ከምዝካየዱ ተሓቢሩ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment