መበል 15 በዓል መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ኣብ ዝፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 15 በዓል መዓልቲ ሰንደቅ ዕላማ ኣብ ዝፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይ ሙስጠፌ ሙሓመድ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ቀርያን ዶዳን ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት እቲ ክልል እውን ብድምቀት እናተኸበረ ይርከብይ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፤ “ሰንደቕ ዕላማና መግለፂ ብዙሕነትና፣ ዓምዲ ሉኣላዊነትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ቦንጋ ብፓናል ዘተ ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ክልል ሲዳማ እውን ምስቃል ሰንደቕ ዕላማ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ተኸቢሩ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ክልል ኦሮሚያ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኸቢሩ።

መበል 15 በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ÷ “ሰንደቕ ዕላማና መግለፂ ብዙሕነትና፣ ዓምዲ ሉኣላዊነትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ፣ ክልል ጋምቤላን ካልኦት ከባቢታትን እናተኸበረ ይርከብ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment