መበል 1444 ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕን 444 ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ከምዝተዛዘመ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ብድምቀት ዝኽበር  ስነ-ስርዓት ዒድ ሶላት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብዙሓት ህዝበ ሙስሊም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ካብ ንጎሆ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ሃይማኖታዊ ስርዓት ነቲ በዓል ዝህውኽ ኩነታት ንከይፍጠር ኣካላት ፀፅታ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ከምዝተዋፅኡ ተገሊፁ።

ወለንታዊያን መናእሰይ እውን ግብኦም ብልዑል ኩነታት ከምዝተዋፅኡ እቲ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ሰላም ዝደሊ ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ እቲ በዓል ብሰላም ንክዛዘም ሓገዝ ንዝገበሩ ኩሎም ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን አመስጊኑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment