መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ምክልኻል፣ ፀፅታን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ስሩዕ ጉባኤ ምክልኻል፣ ፀፅታን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ጉባኤ ካብ ሎሚ መዓልቲ 1 ክሳብ 4 ጉንበት 2014 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዋና ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካ እናተኻየደ እንትኸውን፥ ሚኒስትር ምክልኻል፣ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢን ላዕለዎት ሓለፍቲ ትካላት ድሕንነትን ፀፅታን ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ ጉባኤ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ጎንፂታት፣ ግብረ ራዕዲን ፅንፈኝነትን ከምኡ እውን እናጋጠሙ ዝርከቡ ፀገማት ጠተው ንምባል እናተሰርሑ ዝርከቡ ፃዕሪታት ሪፖርት ከምዘቕርብ ተሓቢሩ።

ዓቕሚ ተጠባባቒ ሓይሊ እቲ ሕብረት ንምጥንኻር እናተገበረ ዝርከብ ሓገዝን ምውፋርን ዘካተተ ሪፖርት ክቐርብ ኢዩ ትፅቢት ከምዘሎ እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ድሕንነት ህፃናት ንምሕላው ዝተሰናደአ ረቂቕ ፖሊሲ ኣብ ውሽጢ ፖሊሲ ሰላምን ድሕንነትን ንምዕዋት ዝዓለመ ልዝብ ከምዝካየድ ተመልኪቱ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment