መበል 14 ምዕራፍ ውድድር ፋና ላምሮት ብኣፀደማርያም ያረጋል ሰዓራይነት ተዛዚሞ

መበል 14 ምዕራፍ ውድድር ፋና ላምሮት ብኣፀደማርያም ያረጋል ሰዓራይነት ተዛዚሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 14 ምዕራፍ ውድድር ተውህቦ ድምፃዊያን ፋና ላምሮት ብኣፀደማርያም ያረጋል ሰዓራይነት ተዛዚሞ።

ንዝሓለፉ 8 ሰሙናት ብዳያኑን ብናይ ባዕሎም ሕሪያን ክወዳደሩ ዝፀንሑ ተወዳደርቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ፍፃመ፥ ትንሳኤ ስለሺ፣ ትዕግስት ኣስማረ፣ ኣፀደማርያም ያረጋልን ባምላክ ቢያድግልኝን ምስ ባንድ ኮኾብ ብምዃን ብሰለስተ ዙር ትሕዝቶኦም ብምቕራብ ጠንካራ ንሕንሕ ኣርኢዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መበል 14 ምዕራፍ ውድድር ፋና ላምሮት ቀዳመይቲ ዝወፅአት ኣፀደማርያም ያረጋል 400 ሺሕ ብር ተሸሊማ።

ትዕግስት ኣስማረ፣ በኣምላክ ቢያድግልኝን ትንሳኤ ስለሺን ድማ ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ዝሓዙ እንትኾኑ፥ ከከምደረጅኦም 300 ሺሕ ብር፣ 200 ሺሕ ብር፣ 100 ሺሕ ብር ሸልማት ወሲዶም።

እቲ ሽልማት ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ኣድማሱ ዳምጠው ነቶም ተወዳደርቲ ኣበርኪቶም።

ኣብዚ ምዕራፍ ካብ ውድድር ወፃእ ዝኾነት ራሄል ተሬሳ ድማ 50 ሺሕ ብር ሽልማት ረኺባ።

ፋና ላምሮት ኣብ ዓመት ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ሓዊሱ ኣርባዕተ ምዕራፋት ዘካይድ እንትኸውን፥ ሕድ ሕድ ምዕራፍ ን9 ሰሙናት ዝፀንሕ ኢዩ።

ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምዕራፋት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ዝዛዘሙ ኣብ ውድድር ናይ ናይ ተዓወትቲ ተዓዋቲ ብሓባር ይራኸቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment