መበል 127 ዓመት ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 127 ዓመት ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ፡፡

በዓል ዓወት ዓድዋ፥ ኣብ ከተማ ዓድዋ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ንሃገር ዝተዋደቑ ጀጋኑን እቲ ዓወትን ብዝዝክሩ መርሃ ግብሪታት እናተኸበረ ይርከብ፡፡

እቲ በዓል ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ ምኒሊክ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ንዝኽሪ እቲ በዓል ዝኸውን ሕቑፊ ዕምበባ ብምቕማጥ ስነ-ስርዓት እቲ በዓል ክጅመር ኢዩ፡፡

ካብዚ ብምቕፃል ድማ ኣብ ዓድዋ ድልድል ጉዕዞ እግሪ ከምዝግበርን ዋና ስነ-ስርዓት ኣከባብራ ኣብ ኣደባባይ መስቀል ከምዝሳለጥን ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ፡፡

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment