መበል 124 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 124 ዓመት ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተሳለጡ ይርከቡ።

ብመሰረት እዚ ትማሊ ቅድሚ ክልተ ዓመት ነዚ ታሪኻዊ ዕለት ንምዝካር ኣብ ከተማ ዓድዋ ንክህነፅ እምነ ሰረት ተነቢርሉ ዝነበረ ፖን ኣፍሪካን ዩኒቨርሲቲ ማስተር ኘላኑ ተሰሪሑ ናብ ዘተ ቀሪቡ እዩ።

ኣብቲ ዘተ ንምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልል፣ ተወከልቲ ሓይሊታት ፌደራሊስት፣ ካብ ፌደራል ዩኒቨርስትታት ዝተወከሉ ሙሁራት ታሪኽ፣ ሰብ ሞያ ኢንጅነሪንግን ካልኦት ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም እዮም።

እቲ ማሰተር ፕላን፥ ባህላዊን ታሪኻዊን ዓወት ዓድዋ መሰረት ገይሩ ዝተዳለወ እንትኸውን ኣፍሪካዊ ማእኸል ምርምርንን ፅንዓትን ክኸውን ንምግባር እውን ናይ ኩሎም ኣፍሪካውያንን ፀለምቲ ህዝብታት ዝወከለ ንምግባር ተፈቲኑ እዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ንከተማ ዓድዋ ብመንፅር ዘለዎ ረብሓ፣ ካብ ብኽለት ኣየር ነፃ ዝኾነ ምችው ኩነታት፣ ብሓፈሻ ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ትግራይ ማእኸል ገይሩ ከምዝተሰርሐ እውን ኣብቲ ዘተ ብምሰሊን ተንቀሳቃቓሲ ምሰልን ቀሪቡ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ኣብቲ ማስተር ፕላን ዝተደረኹ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም ኢዮም።

ካብቶም ዝቀረቡ ሕቶታት ምስቲ ሐዚ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት እቲ ፕሮጀክት ክቅፅል ይኽእል ዶ? ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ፕሮጀክት ኣብ ትግራይ ምስርሑ ኣፍሪካዊ ፕሮጀክት እንተይኮነስ ናይ ትግራይ እዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣሎ እዚ ከመይ ምስተኽኻል ይከኣል? ንመጀመሪ እቲ ፕሮጀክት ዝኸውን ክልላት ቃል ዝኣተዋሉ ኩነታት ከም ዘሎ ኾይኑ ብፌደራል መንግስቲ 200 ሚልዮን ብር ዝተኣተወ ኣብ ምንታይ ብርኪ በፂሑ? ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝገብርኦ ደገፋት ከ እንታይ ይመስል? ዝብሉን ካልኦት ምስቲ ፕላን ዝተዛመዱ ሕቶታትን ቀሪቦም ብዝምልከቶም ኣካላት መልሲ ተዋሂቡ እዩ።

 

መጠቓለሊ መልሲ ዝሃቡ ዶክተር ደብረፅዮን፥ እቲ ፕሮጀክት ኣፍሪካዊ ስለዝኾነ ሕብረት ኣፍሪካ ኮነ ፌደራል መንግስቲ ኣብዚ ክሰርሑ ከምዝግባእን እዚ ንምግባር ድማ መንግስቲ ትግራይ ዘድሊ ሓገዝ ከምዝገበርን ገሊፆም።

“ብዘጋጥሙና ፀገማት እናመኽነናን ዓብዪ ደረጅኡ ዝሓለወ ህንፃ እናተፀበናን እንተይኮነስ ዋላ ሓደ ንእሽተይ ህንፃ ሰሪሕና ናብ ተግባር ክንኣትው ምግባር የድሊ ኢሎም” እውን ኢሎም።

ነቲ ኘሮጀክት መጀመሪ ብነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተኣተወ ቃል ንክፍፀም ብተደጋጋሚ ካብ መተሓባበር እቲ ፕሮጀክት ሕቶ ዝቐረበ እኳ እንተኾነ፥ ዛጊድ መልሲ ከምዘይተረኸበ ግን ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ ወይን ጋዜጣ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment