ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ስልጠና መበል 12 ዙር ብሄራዊ ኣገልግሎት ወለንታ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲግራት፣ ዋቸሞን ወራቤን ተኻይዱ፡፡
ተመረቕቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ዓዲግራት፣ ዋቸሞን ወራቤን ስልጠና ዝወሰዱ ልዕሊ 3 ሺሕን 460 ወለንታውያን መናእሰይ ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ሰላም ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ትምህርቶም ዝዛዘሙ ወለንታውያን መናእሰይ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣምባሳደር ሰላም ብምዃን ሃገራዊ ሓድነትን ብሄራዊ ምርድዳእን ኣብ ምፍጣር ጭቡጥ ውፅኢት እናመዝገቡ ከምዝኾኑ እውን ተገሊፁ፡፡
እቶም መናእሰይ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝረኸቡዎ ፍልጠትን ክእለትን ምስ ስልጠናኦም ብምትእስሳር ኣብ መላእ ከባቢታት እዛ ሃገር ብምውፋር ኣገልግሎት ማሕበረሰብ እናሃቡ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልከኪቱ፡፡