መበል 12 ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣  17 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ )5ይ ዓመት፣ 5ይ ዘበን ስራሕ፣ መበል 12 ስሩዕ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ከካይድ ኢዩ።

ኣፈጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ወይዘሮ ሎሚ በዶ፥ እቲ ጨፌ ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ውዕሉኡ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዓመት 2012 ከምዝግምግም ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተዛቲዩ ከምዘፅድቕ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ድማ መበል 11 ቃለ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ክፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ምፅዳቕ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ፈሳሲ ማይ እቲ ክልል እውን ካሊእ ዛዕባ እቲ ጉባኤ ኢዩ ተባሂሉ።

ምርቃቕ ሕጊን ኣብ ምፅዳቕ ሽመት ዝጎደሉ ኣመራርሓታት ከምዝካየድ እውም ካብ ጨፌ ኦሮሚያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment