መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ፅባሕ 6 ፀወታታት ከተኣናግድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል 11 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ዓመተ 2012 ፅባሕ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮጵያ ቀፂሉ ክውዕል ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ፅባሕ መርሃ ግብሪ ድማ ሽዱሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ መቕለ 70 እንደርታ ናብ ከተማ ጅማ ተጓዒዛ ምስ ጅማ ከተማ ክትገጥም ኢያ።

ንጋንታ ስሑል ሽረ ድማ ኣብ ስታዲየም ትግራይ ንሃዋሳ ከተማ ክተተኣናግድ ኢያ።

ፅባሕ ዝካየዱ ካልኦት ፀወታታት፦

• ቅዱስ ጊዮርጊስ ምስ ሲዳማ ቡና

• ወልቂጤ ከተማ ምስ ባህርዳር ከተማ

• ኣዳማ ከተማ ምስ ኢትዮጵያ ቡና

• ወላይታ ድቻ ምስ ድሬዳዋ ከተማ ክራኸባ ኢየን

ሰኑይ ኣብ ዝካየዱ ቀሪ ፀወታታት፥ ብሲዳማ ቡና ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ስዕረት ዘተኣናገደት ጋንታ ወልዋሎ ዓዲ ግራት ዩኒቨርሲቲ ኣብ ጎንደር ስታዲየም ፋሲለደስ ምስ ፋሲል ከነማ ከቢድ ንሕንሕ ይፅበያ ኣሎ።

ሰበታ ከተማ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ዝገብረ ግጥም እውን ሰኑይ ካብ ዝካየዱ ፀወታታት ሓደ ኢዩ።

ኩሎም ፀወታታት ብተመሳሳሊሰዓት፥ ሰዓት ትሽዓተ ኢዮም ክካየዱ።

Comments (0)
Add Comment