መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ/ዓረፋ/ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሰነ፣ 2016(ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 1 ሽሕን 445 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣብ ሃገር ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።

ህዝበ ሙስሊም ኣብ በዓል ዒድ ኣል ኣደሃ/ኣረፋ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ከሕልፎ ይግባእ ክብል ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ምግላፁ ይዝከር።

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ ህዝበ ሙስሊም ነቲ በዓል እንተኽብር ብዝተፈላለዩ ምኽኒያታት ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ፣ ዓቕሚ ዘይብሎምን መዕበዪ ዘይብሎም ህፃናትን ብምድጋፍ ንከኽብሮ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ምስ ካልኦት ሰዓብቲ እምነታት ሓድነቱን ሕውነቱን ከጠናኽር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ህዝበ ሙስሊም ንቑሕ ተሳትፎ ንክህልዎ ሓቲቶም።

ሰላም ንኹሉ መሰረት ስለዝኾነ ኩሉ ንሰላም ዘብዒ ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

በዓል ዓረፋ ብፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነታዊነትን ንኽኽበር ህዝበ ሙስሊም ኢትዮጵያዊ ሓድነቱን ሕውነቱን ክሕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment