መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ እዛ ሃገር ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሽሕን 445 በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።

እቲ ብዓል ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ህዝበ ሙስሊም እቲ በዓል እንተኽብር ብዝተለመደ ብባህሊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክኸውን ከምዝግባእ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 1445 ብዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ወርሒ ረመዳን መላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም ብናፍቖትን ህንጣወን ዝፅበዮ ወርሒ ኢዩ ኢሎም።

ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ ፆምን ኢባዳን ምስ ፈጣሪ ዝቀራረበሉ፣ ዚክር ዝበዝሓሉ፣ ፅቡቕ ስራሕ ዝጎልሃሉ፣ ወርሒ ምሕረትን ምብራኽን ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment