ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሽሕን 444 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ብሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።
ህዝበ ሙስሊም በዓል ዓረፋ እንተኽብር ብሓድነትን ምትሕግጋዝን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ገሊፆም።
ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ፥ ንመበል 1 ሺሕን 444 ዓመተ ሂጂራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ንመላእ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብግደኦም፥ መበል 1 ሺሕን 444 በዓል ዒድ ኣል ኣድሓ (ዓረፋ) ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም÷ “ዒድ ኣል ኣድሃ፣ ዓረፋ ህዝበ ሙስሊም ብልዑል ክብሪን ፍቕሪን ዘኽብሩዎ መስዋእትነት ዝዝከረሉ በዓል ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
ብተወሳኺ፥ ኢትዮጵያውያን በዓል መስዋእትነት ኣብ ዝኽበረሉ እዚ ፍሉይ መዓልቲ ‹እንኳዕ ኣብፀሐኩም› ክበሃሃሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ንዓብዪ ጉዳይ ምፍታን፣ ንብርቱዕ ጉዳይ መስዋእቲ ንምዃን ምድላው ዓበይቲ ሰባት ዝፍፅሙዎን ታሪኽ ዝሰርሑሉን ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።