ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ) መበል 1 ሽሕን 443 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ይኽበር ኣሎ።
እቲ በዓል ኣብ መላእ እዛ ሃገር ብሰዓብቲ እምነት እስልምና ሎሚ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።
ህዝበ ሙስሊም በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ (ዓረፋ) ዓቕመ ደካማታት ብምሕጋዝ ንኸሕልፍ ኣቦታት ሃይማኖት እስልምና ሓጂ ሙፍቲ ዑመር ኢድሪስን ሓጂ ኢብራሂም ቱፋን ፀዊዖም።
ሰላም ንኹሉ መሰረት ስለዝኾነ ኩሉ ንሰላም ዘብዒ ንኽኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
በዓል ዓረፋ ብፍቕሪ፣ ሓድነትን ሕውነታዊነትን ንኽኽበር ህዝበ ሙስሊም ኢትዮጵያዊ ሓድነቱን ሕውነቱን ክሕሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ምእመናት እቲ በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕሳብ ክኸውን ከምዝግባእ እውን ምግላፆም ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።