መበል ካልኣይ ዙር ሓበራዊ ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮ-ብራዚል ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መበል ካልኣይ ዙር ሓበራዊ ፖለቲካዊ ዘተ ኢትዮ-ብራዚል ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ መኪ ኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን መሰተኦም ኣምባሳደር ብራዚል ኬኔት ዲኖሪንጋን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዝተኻየደ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ከልላዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባራት ትኹረት ዝገበረ ልዝብ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን፥ ሰለስቲኣዊ ድርድር ዓብዪ ግድብ ህዳሰ፣ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮ ሱዳን፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኢትዮም መስ ብራዚል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ንምስራሕ ባህጊ ከምዘለዋ ብምግላፅ፥ እተን ሃገራት ኣብ መሰረተ ልምዓት ገብርና ዘለወን ምትሕብባር ኣጠናኺረን ክቕፅላ ከምዘግባእ ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ኬኔት ዲኖሪንጋ ብግደኦም፥ ሃገሮም ኣብ ኣፍሪካ እትገብሮ ረክብ ክብ ንምባል ምስ ኢትዮጵያ ብቕርበት ምስራሕ ከምእትደሊ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ግደ ብምጥቃም ብራዚል ርክባ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንምብፃሕ ባህጊ ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።

አገራቸው ዘመናዊ ግብርና እንዲሁም በአግሮ ፕሮሰሲንግ ዘርፍ በኢትዮጲያ ኢንቨስት ለማድረግ ዝግጅ ናት ብለዋል።

ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ዘመናዊ ግብርናን ዓውዲ ኣግሮ ፕሮሰሲንግን ኢንቨስት ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ምዝራቦም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment