መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም ንክኸውን ሓሳብ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም ንክኸውን ሓሳብ ቀሪቡ።

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካ ረቂቕ ግዘ ሰሌዳ ምርጫ ብዝምልከት መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሎሚ ዘበን ናይ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ሓፈሻዊ ውፅኢት ካብ 29 ግንቦት ክሳብ 21 ሰነ በቲ ቦርድ ዕላዊ ንክኸውን ቀሪቡ።

ብመሰረት እዚ 16 ታሕሳስ ክሳብ 16 ጥሪ 2013 ዓ.ም ቢሮታት ምርጫ ክልል ምኽፋት፣

08 ክሳብ 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም ምዝገባ ሕፁያት፣

08 ለካቲት ክሳብ 23 ግንቦት 2013 ዓ.ም ምልዕዓል ምርጫ ፣

ካብ 17 ጥሪ ክሳብ 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣስተምህሮ መረፅቲ ምዝገባ ሕፁያት ፣

ካብ 22 ጥሪ ክሳብ 06 ለካቲት 2013 ዓ.ም ፓርቲታት ምልክት መረፀኦም ዘእትዉሉን መወሰንን፣

24 ጥሪ ክሳብ 21 ለካቲት 2013 ዓ.ም ንኣፈፀምቲ ምርጫ ስልጠና ዝወሃበሉን ምዝገባ መረፅቲ ዝካየደሉን፣

24 ጥሪ ክሳብ 1 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ኣስተምህሮ መረፅቲ ምምዝጋብ መረፅቲ ፣

3 ለካቲት 2013 ዓ.ም ዝርዝር ጣቢያታት ምርጫ ዕላዊ ዝግበረሉ ንክኸውን ሓሳብ ቀሪቡ።

ካብ 22 ለካቲት ክሳብ 21 መጋቢት 2013 ዓ.ም ምዝገባ መረፅቲ፣

22 መጋቢት ክሳብ 01 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ምዝገባ መረፅቲ ዕላዊ ዝግበረሉ፣

19 ካስ 21 መጋቢት 2013 ዓ.ም ወረቐት መውሃቢ ደምፂ ቅደም ሰዓብ ሎተሪ፤

22 ክሳብ 23 መጋቢት 2013 ዓ.ም ዝርዝር ሕፁያት ዕላዊ ምግባር፣

21 መጋቢት ክሳብ 10 ግንቦት 2013 ዓ.ም ሕትመት ወረቐት መውሃቢ ድምፂ፣

16 ሚያዚያ ክሳብ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም ትምህርቲ መረፅቲ ንመዓልቲ መውሃቢ ድምፂ

24 ክሳብ 27 ግንቦት 2013 ዓ.ም ምልዕዓል ምግባር ዘይከኣለሉ ናይ ፅሙዋ ጊዘ ፣

28 ግንቦት መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ፣ መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ ህዝበ ውሳነ ደቡብ ምዕራብ፣

5 ሰነ 2013 ዓ.ም መዓልቲ መውሃቢ ድምፂ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን፣

28 ክሳብ 29 ግንቦት 2013 ዓ.ም ብብርኪ ጣቢያታት ምርጫ ውፅኢት ዝግለፀሉ ፣

29 ግንቦት ክሳብ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም ብብርኪ ክልል ምርጫ ውፅኢት ዝግለፀሉ ንክኸውን ሓሳብ ቀሪቡ።

 

29 ግንቦት ክሳብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ናይ መወዳእታ ውፅኢት ብቦርድ ዕላዊ ዝግበረሉ ዕለት ከምዝኸውን ተገሊፁ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment