መበል ሳልሳይ ዙር ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ሳልሳይ ዙር ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም።

ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ፀወታ፥ ሪያል ማድሪድ ምስ ቦሩሲያ ዶርቱመንድ ምሸት ሰዓት 4 ዝገብሮ ፀወታ ልዑል ህንጣወ ተገይሩሉ ኣሎ።

ምሸት ሰዓት  1፡45 ኤሲሚላን ምስ ብሩጅ፣ ሞናኮ ምስ ሬድ ስታር ቤልግሬድ ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም።

ምሸት ሰዓት 4፥ ኣርሰናል ምስ ሻካታር ዶኔስክ፣ ኣስቶንቪላ ምስ ቦሎኛ፣  ዢሮና ምስ ስሎቫን ብራቲስላቫ ኢሉእውን ጁቬንቱስ ምስ ስቱትጋርት ክፃወቱ ኢዮም።

ብተወሳኺ ፒኤስጂ ምስ ፒኤስቪን  ስትሩም ግራዝ ምስ ስፖርቲንግ ሊዝበንን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት 4፡00 ፀወተኦም ከምዝገብሩ እቲ መርሃ ገብሪ ይሕብር።

Comments (0)
Add Comment