መበል ራብዓይ ውድድር ተዓወትቲ ፋና ላምሮት ኣብ ታሪኩ ዝለዓለ መጠን ሽልማት ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ራብዓይ ውድድር ተዓወትቲ ፋና ላምሮት ኣብ ታሪኩ ዝለዓለ መጠን ሽልማት ሎሚ መዓልቲ ከምዝጅምር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣፍሊጡ።

እቲ ውድድር፥ ተዓወትቲ ምዕራፍ 13፣ ምዕራፍ 14ን ምዕራፍ 15ን ፋና ላምሮት ከራኽብ ኢዩ።

ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 6፡00 ቀትሪ ጀሚሩ ናይ ምድብ ሓደ ሸሞንተ ተነሓናሕቲ ምስ ባንድ ዛየን ኣብ ክልተ ዙራት ስራሕቶም ከቕርቡ ኢዮም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት፥ ናይዚኣቶም ናት ተዓዋታት ተዓዋታይ ቀዳማይ ብምዃን ንዝዛዝም ተወዳዳራይ ሽልማል 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሽልማት ኣዳሊዩ ኣሎ።

ብሓፈሻ ንሽልማት ዝውዕል 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ከምዝተዳለወ ትካል ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

ተኸታተልቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 6፡00 ቀትሪ ጀሚሩ ብቐጥታ ፈነወ ንዝመሓላለፍ ውድድር፥ ብኹሎም ኣማራፅታት ማሕበራዊ ሚዲያ ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት፣ ፋና ቴሌቪዥንን ኤፍ ኤም 98 ነጥቢ 1 ንክትከታተሉ ተዓዲምኩም ኣለኹም።

ብተወሳኺ ብነፃ መስመር ሰልኪ 8222 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ብምልኣኽ ምስታፍ ይከኣል።

ብለምለም ዮሐንስ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment