መበል ራብዓይ ኣኼባ ኣተሓባበርቲ ብሪክስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ራብዓይ ኣኼባ ዋናን ምክትልን ኣተሓባበርቲ ብሪክስ ኣብ ከተማ ካዛን ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣኼባ፥ ሚኒስተር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ምክትል ኣተሓባባሪ ጉዳይ ብሪክስ ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ዝተመርሐ ጉጅለ ይሳተፍ ኣሎ።

እቲ ኣኼባ፥ ረቂቕ ስምምዕነት ካዛንን ኣሰራርሓ መሻርኽቲ ሃገራት ብሪክስን ምስንዳእ ጠመተ ብምግብር ከምዝሳለጥ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መበል 16 ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ 12 ክሳብ 14 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ኣብ ከተማ ካዛን ክካየድ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment