መበል ራብዓይ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ብልዑል ስነስርዓት ፅባሕ ክሳለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል ራብዓይ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ብልዑል ስነስርዓት  ፅባሕ ቀዳም ክሳለጥ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 12 ሰሚናት ኣብ መንጎ 16 ተወዳደርቲ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር፥ ፅባሕ ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ተወዳደርቲ ብዝካየድ ናይ ብሉፃት ብሉፅ ውድድር ክዛዘም ኢዩ።

ኣብቲ ናይ ፅባሕ ውድድር፥ ትዕግስት ኣስማረ፣ ሄኖክ ብርሃኑ፣ በኣምላክ ቢያድግልኝን ሃብታሙ ይሄነውን ፍሉይ ምድላው ገይሮም ኣለዉ።

ኣብቲ ዕለት ቀዳማይ ንዝወፅአ ተወዳዳሪ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሽልማት ገንዘብን  ፅዋዕ ከብሪ ፋና ላምሮትን ተዳሊዩሉ ኣሎ።

ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሮም ንዝዛዝሙ ድማ በቢደረጀኦም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዝህቦም ብሓፈሻ 3 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ሽልማት ተዳሊዩሎም ኣሎ።

መድረኽ ንዝሰኣኑ ድምፃውያን መድረኽ ንክረኽቡ ዓሊሙ ውድድር ፋና ላምሮት ካብ መወዳእታ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ዝሃቦ ሸልማት ገንዘብ ብላዕሊ ንተወዳደርቲ ቀፃሊ ጉዕዞ ሙዚቃ እናኸፈተ መፂኡ ኢዩ።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ ተወዳደርቲ ብኣድመፅቲን ተመልከትቲን ኣፈልጦ ነክረኽቡ ብምሕጋዝ ንብዙሓት የለዓዕል ኣሎ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ነቲ ንሕንሕ ብፋና ቴሌቪዥን፣ ፋና ኤፍ ኤም 98.1 ፣ ፋና ፌስቡክን ቴሌግራምን ገፃትና ሓዊሱ ብ www.fanabc.com ካብ ሰዓት  5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ጀሚሩ ብቐጥታ ፈነወ ብምክትታልን ብ8222 ሓፂር መልእኽቲ ፅሑፍ ኮድ ተወዳደርቲ ብምልኣኽ እናተሃደሱ ንክድግፉ ኣንጊድና።

ብለምለም ዮሃንስ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment