መበል ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንሳልሳይ እዋን ተናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብያተ ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ፌዴሬሽንን ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓባር ኣኼባ መበል ራብዓይ ቆፀራ ህዝብን ኣባይቲን ንሳልሳይ እዋን ንክናዋሕ ሎሚ መዓልቲ ወሲኖም።

እቲ ውሳነ ብምኽኒያት ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ንናይ ህዝቢ ጥዕናን ድሕንነትን ክብሃል ዝተውሃበ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣባላት እተን ኣብያተ ምኽሪ ኣብቲ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ድሕቲ ምዝታይ፥ ብ5 ተቓውሞ፣ 13 ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ፀዲቑ።

ብተመሳሳሊ ቀዋሚ ኮሚቴ እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ናይ መንግስቲ ናይ ልምዓት ትካላት ናብ ናይ ውልቀ ንምዝዋር ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዘቕረቦ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን ድሕሪ ምዝታይ ፀዲቑ ኣሎ።

ቀዋሚ ኮሚቴ ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት እስልምና ወቕላላ ምክር ቤትን ናይ ኢትዮጵያ ወንጌል አመንቲ ኣብያተ ክርስቲያናትን ካውንስል ሕጋዊ ሰውነት ንምሃብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ዝቐረበ ሪፖርትን ውሳነ ሓሳብን ፀዲቑ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment