መቓበር እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅልጣፍ ንርከብ-ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”ህዝብን መንግስቲን ዝሃበና ሓደራ ብምቕባል መቓበር እቲ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምቅልጣፍ ንርከብ” ከብሉ ኣብ ገንባር ወሎ ዝተሰለፉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ ገሊፆም።

ሃገር ንምፍራስ ትልሚ ብምውፃእ ወረራ ዝፈፀመ ጉጅለ ትህነግ ብሓበራዊ ቃልሲ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምድምሳስ ይርከብ።

ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ኣብ ዝተሰለፉሎም ዓውደ ኲናታት ፍሉይ ሓይሊ ሶማሌ እውን ሓደራ ህዝብን መንግስትን ብምቕባል ፀላኢ ምቅላስ ካብ ዝጅምር ኣዋርሕ ኣቑፂሩ ኢዩ።

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝሓዞ እኩይ ዕላማ ንምብጥጣስ ኣባላት እቲ ፍሉይ ሓይሊ ኣብቲ ግምባር ፀላኢ ይድምስሱ ኣለዉ።

ሻለቃ ሪያድ ጎሌድ፥ ካብ ህዝቢ ዝተውሃበና ሓደራ ከቢድ ስለ ዝኾነ ሓደራና ተቐቢልና ንሰንደቕ ዓላማና ክሳብ መወዳእታ ክንዋደቕ ኢና ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብቓላት ንምግላፅ ዘፀግም ሚስጢር ዘለዋ ሃገር ኢያ ዝበሉ ሻለቃ ሪያድ÷ ኣነ አንትሞተላ ኢትዮጵያ ሓድነታ ኣጠናኺራ ደሚቓ ንዓለም ክትርአ ኢያ ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment