መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበበ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማቲሲ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ፌዴራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ብዝምልከት መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበበ ንዝገበሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዲፕሎማቲሲ መብርሂ ተዋሂቡ።

ሚኒስትር ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሁሴን ኣብ መብርሂኦም ከምዝገለፁዎ÷ ሓዱሽ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ ኣማራፂታት በሪ ባሕሪን ወደብን ዘስፍሕ ኢዩ፡፡

እቲ ሰነድ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምሕላው ዓብዪ ግደ ከምዘለዎ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ብግደኦም÷ እቲ ሰነድ ስምምዕነት ንኢትዮጵያ በሪ ባሕሪን ወደብን ካብ ምምፅኡ ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ተፈራረምቲ ሃገራት ምትሕብባርን ምሕዝነትን ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ቴክኖሎጂ፣ ሕርሻን ቱሪዝምን ዘካተተ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስትር ኣማኻሪ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ታዬ ኣፅቀስላሴ÷ “ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ወናኒ በሪ ባሕሪን ወደብን ምዃን ከምዝከኣል ኣርኢያ ኢያ” ኢሎም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment