መቐመጢኦም ኣብ ናይሮቢ ዝገበሩ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ሚዛናዊ ሓበሬታ ንኸቕርቡ ተሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ መለስ ኣለም መቐመጢኦም ኣብ ናይሮቢ ዝገበሩ ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ሚዛናዊ ሓበሬታ ንኸቕርቡ ሓቲቶም።

እቶም ኣምባሳደር መራኸብቲ ሓፋሽ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ዝሰርሑዎ ፀብፃብ ሚዛናዊ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር መለስ እዚ ዝበሉ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኬንያን መቐመጢኦም ናይሮቢ ንዝገበሩ ዓለም ለኸ ሚዲያታትን መግለፂ ኣብ ዘሃቡሉ ኢዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ መራኸብቲ ሓፋሽ ናብ ክልል ትግራይ ኣቲዮም ንኽፅብፅቡ ኩነታት ምምዕርራዩ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ናብ ኢትዮጵያ ንፀብፃብ ክኸዱ ዝደልዩ ጋዜጠኛታት ንምትእንጋድ ድሉው ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ንትግራይ መሊስካ ንምጥያሽን ሰብኣዊ ሓገዝ ንመሃብን ንኽከኣል ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይተገደበ ተበፃሕነት ከምዘረጋገፀ እውን ኣብቲ እዋን ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment