መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ከምዝሳተፍ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግ ጋንታ ፋሲል ከነማ ድማ ኣብ ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽን ንኽሳተፉ ከምዝወሰነ ተገሊፁ።

ሼር ካምፓኒ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ወኪለን ዝሳተፋ ጋንታታት ንኸፍልጥ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ነዙይ ስዒቡ ድማ እቲ ሼር ካምፓኒ፥ አብ 2011 ዓ.ም ሻምፒዮና ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝነበረት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ፅዋዕ ካፍ ቻምፒዮንስ ሊግ ንኽትሳተፍ፤ ሻምፒዮና ፅዋዕ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ጋንታ ፋሲል ከነማ ድማ ኣብ ፅዋዕ ኮነፌዴሬሽን ንኽትሳተፍ ምውሳኑ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ናብ ምእታዉ ስዒቡ ፀወታታት ፕሪሜርሊግ ኢትጵያ ስለዝተቛረፁ ንኢትዮጵያ ወኪለን ኣብ ካፍ ሻምፒዮንስ ሊግን ፅዋዕ ኮንፌዴሬሽንን ዝሳተፋ ክለባት ከምዘይህልዋ ተወሲኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment