መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ፈላማይ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ክገብራ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መርሃግብሪ ዘበነ ውድድር 2017 ዓ.ም ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቐለ 70 እንደርታን ሃዲያ ሆሳእናን ብዝገብረኦ ፀወታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ክጅመር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ሊግ ዘይነበረት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ሃዲያ ሆሳእና ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ብዘካይደኦ ፀወታ እቲ ሊግ ክፍልም ኢዩ፡፡

ቀዳማይ ሰሙን መርሃ ግብሪ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 1 ጋንታት ኣርባ ምንጭ ከተማን ድሬዳዋ ከተማን ክራኸባ ኢየን።

ፅባሕ ድማ ወልቂጤ ከተማ ምስ መቻል ቀትሪ ሰዓት 10 ከምኡ እውን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ባህር ዳር ከተማ ምሸት ሰዓት 1 ፀወተአን ከካይዳ ኢየን፡፡

መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ዓ.ም 19 ጋናታታት ከምዝሳተፋሉ ሓበሬታ እቲ ሊግ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment