መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ንኹን ኣቢያተ ትምህርቲ ብናፃ ክወሃብ ኢዩ – ሚኒስትር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስሩዕ ትምህርቲ ንምጅማር ምድላዋት ከምዝዛዘመን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ስራሕቲ ምምላእ ኣድለይቲ እታወታት እናሰርሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ስለዝነ ድማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ስሩዕ ትምህርቲ ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ኣቢያተ ትምህርቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን 9ማስክ) ብናፃ ከምዘከፋፍል ዳይሬክተር ኮሙዩኒኬሽን እቲ ሚኒስቴር ወይዘሮ ሃረጓ ማሞ ተዛሪበን።

እቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ማእኸሉ ኣዲስ ኣበባን ሃዋሳን ብምግባር ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ከምዝከፋፈል እተን ዳይሬክተር ኣፍሊጠን።

መለክዒታት ውድብ ጥዕና ዓለም ዘማልኡ ፍርያታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ ዝርከቡ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዕድጊት እናተፈፀመ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝበፅሑን እውን ተሓቢሩ።

እቲ ንተምሃሮ ዝከፋፈል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፥ ብተደጋጋሚ ተሓፂቡ ዳግም ግልጋሎት ክህብ ዝኽእል ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment