መሸጣ ኣክሲዮን 10 መኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)መሸጣ ኣክሲዮን 10 መኢታዊ ኢትዮ ቴሌኮም ዕላዊ ገይሮም፡፡

ኢትዮ ቴሌኮም ብሓፈሻ ዘለዎ ኣክሲዮን 100 ቢሊየን እንትኸውን÷ ካብ ሞንጎ እዚ 10 ሚኢታዊ ወይ እውን 100 ሚሊየን ዝኸውን ኣክሲዮን ሎሚ መዓልቲ ንመሸጣ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ዋጋ ሕድሕድ ኣክሲዮን 300 ብር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ብመሰረት እዚ ሓደ ሰብ ካብ 33 ኣክሲዮን ጀሚሩ ክሳብ 3 ሺሕን 333 ኣክሲዮን ክዕድግ ዝኽእል እንትኸውን÷ እዚ ድማ ብብር እንትግለፅ ካብ 3 ሺሕን 333 ብር ክሳብ 999 ሺሕን 900 ብር ክበፅሕ ይኽእል ማለት ኢዩ፡፡

እዋን መሸጢ ኣክሲዮን ካብ ሎሚ መዓልቲ 6 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ክሳብ 25 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment