መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፍርያት ነዳዲ ወርሒ ነሓሰ ብዝነበሮ ከምዝቕፅል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፍርያት ነዳዲ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም ኾነ ይኹን ወሰኽ ዋጋ እንተይተገበረሉ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝነበሮ መሸጢ ዋጋ ከምዝቕፅል ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ዓደልቲ ነዳዲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብዝነበሮ ዋጋ ንኽሸጡ ትእዛዛ ከምዝተመሓላለፈ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

“በቢብርኩ ዝርከብ ውዳበታትና ኣብ ዝርገሐን መሸጣን ነዳዲ ጥቡቕ ቁፅፅርን ክትትልን እናገበረ ይርከብ” ክብሉ ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment