መስዋእትነት ሰራዊት ንሓድነት ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ንኽብሪ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ክብል ኢየ – ኣይተ ሃይለማርያም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ሃይለማርያም ደሳለኝ ህዝቢ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር እናርአዮ ናብ ዘሎ ክብሪን ሓገዝን ተፀምቢሮም።

እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ንኽብሪ ሃገር ጠጠው ምስ ዝበለ ሰራዊት ምክልኻል ጠጠው ከምዝብሉ ኢዩ።

“መስዋእቲነት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብሓድነትን ብሰላምን ንኽትቕፅል ዝገብር ስለዝኾነ ንክብሪ እቲ ሰራዊት ጠጠው ክብል ኢየ” ክብሉ ገሊፆም።

“ጀጋኑና የኽብሮም ኢየ” እውን ኢሎም ኣብቲ ዝፀሓፉዎ ፅሑፍ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment