ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግሥት ዝገብሮ መስተኻኸሊ ድጎማ ነዳዲ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፅዕንቶ ብዘይፈጥር መልክዑ ከምዝካየድ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።
መንግሥት ኣብ ዋጋ ነዳዲ ዝገብሮ መስተኻኸሊ ድጎማ፥ ኢትዮጵያ ን132 ቢሊየን ብር ክዙን ዕዳ ክትቃላዕ ከምዝገበራ ተገሊፁ።
ኣብቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ምርምርን መፅናዕቲን ስታንዳርድ ዕድጊት ውፅኢታት ነዳዲ ኣይተ ለገሰ ቱሉ፥ ኢትዮጵያ ከም ጎረባብታ ማዕረ ነዳዲኣ ብሸርፊ ወፃኢከምትዕድግ ገሊፆም ።
እቲ ነዳዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ምስኣተወ ካብ ዝተገዝአሉ ዋጋ ብፍርቂ ብዝተሓተ ገንዘብ ናብ ዕዳጋ ከምዝቐርብ ተዛሪቦም።
እቲ ዕድጊት መንግስቲ ብዝኽተሎ ኣሰራርሓ ድጎማ መሰረት ብምግባር ምስ ከም ኬንያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳንን ሶማሊያን ዝበላ ጎረባብቲ ሃገራት እንትነፃፀር ብፍርቂ ዝተሓተን ሰፊሕ ኣፈላላይ ዋጋ ክህልዎን ገይሩዎ ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።