መስቀል ፅቡቕ ስም ሃገርና ክፅዋዕ ኣብ ምግባር፣ ባህልና ኣብ ምፍላጥን ሓድነትና ኣብ ምጥንኻርን ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ – ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”መስቀል ካብ ሃይማኖታዊ በዓሉ ብተወሳኺ ፅቡቕ ስም ሃገርና ክፅዋዕ ኣብ ምግባር፣ ባህልና ኣብ ምፍላጥን ሓድነትና ኣብ ምጥንኻርን ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ” ክብሉ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዋሸንግተንን ከባቢኣን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን በዓል ዳሜራ መስቀል ኣብ ደብረ ምህረት ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያናትን ብድምቀት ኣኽቢሮም።

ኣብ ደብረ ምህረት ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝተኸበረ በዓል÷ ኣምባሳደር ስለሽ በቀለ፣ ሊቀ ጳጳስ ዋሸንግተንን ከባቢኡን ብጹዕ ኣአቡነ ፋኑኤል ከምኡ እውን ተኸተልቲ እቲ እምነትን ኣቦታትን ተዓዲሞም።

ኣቡነ ፋኑኤል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ በዓል መስቀል ምልክት ሓድነትን ብርሃንን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ህዝበ ክርስቲያን እውን ነዚ ኣብነት ሒዙ ካብ ምፍልላ ምትሕስሳብ ካብ ኣፍራሳይ ምዃን ዘብዒ ሃገር ምዃን ከቐድም ኣለዎ ኢሎም።

ኣምባሳደር ስለሽ በቀለ ብግደኦም÷ ”መስቀል ካብ ሃይማኖታዊ በዓሉ ብተወሳኺ ፅቡቕ ስም ሃገርና ክፅዋዕ ኣብ ምግባር፣ ባህልና ኣብ ምፍላጥን ሓድነትና ኣብ ምጥንኻርን ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ” ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ብሓባር ዘኽቡሩዎ ምልክት ሓድነትን ምትሕስሳብን ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ደሚደሚቖም ዝረአየሉ ዓብዪ በዓል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment