መስቀል ኣብ ኣፀጋሚ፣ ፈታኒን ድንግርግርን ብምዃን ፅባሕ ናይ ምምዕዳው መርኣያ ኢዩ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መስቀል ኣብ ኣፀጋሚ፣ ፈታኒን ድንግርግርን ብምዃን ፅባሕ ናይ ምምዕዳው መርኣያ ኢዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር በዓል መስቀል ምኽኒያት ብምግባር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ፥ ባዕል መስቀል ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ፣ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ብኢትዮጵያዊያን ዝኽበር በዓል ኢዩ ኢሎም።

ኣከባብርኡ ህብራዊ ኢዩ ብምባል፥ ቀለም እቲ ከባቢ ብምውሳኽ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከምዝኽበር ገሊፆም።

ብውልቀ ዘይኮነስ ብስድራን ማሕበራዊን ዝኽበር ሓበራዊ በዓል ከምዝኾነ እወን ኣገንዚቦም።

መስቀል ነባር ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ዘርእይ ኢዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ናይ ዘበን መለወጢ በዓላት ኣብ ወርሒ መስከረም፣ ምስ በዓል መስቀል ተዛሚዶም ምኽባሮም ጥንታዊ ማሕበራዊ ዝምድና ዘርእይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መስቀል ኣብ ኣፀጋሚ፣ ፈታኒን ድንግርግርን ብምዃን ፅባሕ ናይ ምምዕዳው መርኣያ ኢዩ እውን ኢሎም።

 

Comments (0)
Add Comment