መስርሒታ ዝቐተለት ውልቀሰብ ብድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ  ክትቅፃዕ ተወሲኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ወር መሃያ ኣይተኸፈለኒን” ብዝብል ቂም ተለዓዒላ ንመስርሒታ ቀቲላ ዝተብሃለት ኣበቡ ሙላቴ ብዕድመ ልክዕ ፅኑ ማእሰርቲ ክትቅፃዕ ውሳነ ተመሓላሊፉ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዘፈር ዓቃቢ ሕጊ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ፍሉይ ገበን÷ ዓቃቢ ሕጊ ብሰራሕተኛ ገዛ ተቖፂራ እናሰርሐት እናሃለወት “ናይተወሰነ ኣዋርሕ ክፍሊት መሃያ ኣይተኸፈለኒን” ብዝብል ምኽንያት ቂም ሒዛ ንመስርሒታ ብምድብዳብ ህይወታ ክሓልፍ ገይራ ኣብ ልዕሊ ዝበላ ውልቀሰብ ክሲ መስሪቱ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክትቅፃዕ ምግባሩ ኣፍሊጡ፡፡

መዝገብ ክሲ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝሕብሮ÷ ተኸሳሲት ኣበቡ ሙላቴ 18 ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ብግምት ቀትሪ ሰዓት 10፡45 ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 14 ኣስኮ ኣዲስ ሰፈር ከባቢ ሊዝ መንደር መስርሒታ ዝነበራ ወይዘሮ ፋሲካ ተሸመ ብዘስካሕኽሕ ኩነታት ህይወተን ከሓልፍ ገይራ፡፡

ተኸሳሲት ክሲ ተነቢቡላ እቲ ተግባር ገበን ፈፂመ ኢየ ዝበለት እንትትከውን÷ ዓቃቢ ሕጊ እውን ተኸሳሲት ዝተኸሰሰትሉ ገበን ከም ክሲ ምሉእ ብሙሉእ ምእማና ካብ ሚኒስቴር ፍትሒ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እቲ ጉዳይ ዝተመልከተ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ልደታ 1ይ መጋባእያ ገበን ቅትለት ሰብን ከቢድ ሽፍትነትን÷ኣብ ልዕሊ እታ ተኸሳሲት ኣብ ደረጃ 2 ትሕቲ ብርኪ 39 መበገሲ ቅፅዓት ብምሓዝ፣ ተኸሳሲት እቲ ገበን ዝኣመነት ብምዃና፣ 1 መቕለሊ ቅፅዓት ተታሒዙላ ኣብ ትሕቲ ብርኪ 38 ብምዕራፍ ብዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽትቅፃዕ ከምኡ እውን ማሕበራዊ መሰላታ ውድቂ ንኽግበሩ ወሲኑላ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment