መስመር ደለልቲ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ንምብታኽ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ደለልቲ ዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ሰባት ዝዘርግሑዎ መስመር ንምብታኽ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ፡፡

ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ መደባት ከምዝተኸበረ ኣብቲ ሚኒስቴር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥምረት ምትሕብባር ብሄራዊ ፍልሰት ኣብርሃም ኣያሌው ተዛሪቦም፡፡

እቲ ቀኑ ብዝተፈላዩ መገዲታት ንፍልሰት ዝተቓልዑ ዜጋታት ዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ዝዝከረሉ ከምዝኾነ እቶም ሓላፉ ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብዛዕባ ዘይሕጋዊን ስሩዕን ፍልሰት ከምኡ እውን ኣብ ሓለዋ ክብሪን ድሕንነትን ፍልሰተኛታት ግንዛበ ዝፍጠረሉ ዕለት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ መበገሲት፣ መተሓላለፊትን መብፅሒትን ፍልሰተኛታት ከምዝኾነት ብምሕባር÷ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ 26 ሃገራት ልዕሊ 1 ሚሊየን ፍልሰተኛታት ብምቕባል እናተኣናገደት ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

ብኻእ መዳይ ኣለሻ ዝሐሸ ህይወት ስሩዕ ብዘይኮነ ፍልሰት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝጓዓዙ ኢትዮጵያውያን ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝመፅአ ብምሕባር፤ መ”ናእሰይ ደለልቲ ብዝዘርግሑዎ መስመር ተታሊሎም ዝገብሩዎ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንብዙሕ ጉድኣት እናተቓልዑ ይርከቡ” ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምክልኻል ፃዕሪ እናገበረት ትኹን እምበር ናይ ደለልቲ ሜላን መስመርን ምቅይያር እቲ ስራሕ ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ሓቢሮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ብምርምር ብምሕጋዝ ዶብ ዘለል ዝኾኑ ደለልቲ መስመሮም ንምብታኽ ዘይሕጋዊ ፍልሰት ንምቁፅፃር ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

Comments (0)
Add Comment