መስሕባት ቱሪስት ክልል ዓፋር ንካልኣይ ንትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንምጉብናይ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መስሕባት ቱሪስት ክልል ዓፋር ንካልኣይ ንትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንምጉብናይ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝም እቲ ክልል ኣሕመድ ዓብዱልቃድር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ምንቕቓሕ የርእይ ኣሎ።

ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ሃገሮም ንክጉብኒዩ ዝቐረበ ፃውዒት ቱሪዝም እቲ ክልል ብዝበለፀ ንክነቓቓሕ ከምዝገበሮ ተዛሪቦም።

ነዚ ኣጋጣሚ ብምጥቃም መስሕባት ቱሪስት እቲ ክልል ንካልኣይ ንትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ንምጉብናይ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ነዚ ድማ ኣብ ዳሎል፣ ኤርታዕሌ፣ ወሓዚ ሩባ ኣፍዴራን ሉሲን ንምርኣይ ምድላዋት ተገይሩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment