መሳርሒኦም ዘየመዝገቡ ወነንቲ ጦር መሳርሒ ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ እነኸመዝግቡ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሳርሒኦም ዘየመዝገቡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ወነንቲ ጦር መሳርሒ ውልቀ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ እነኸመዝግቡ ሓላፊ ቢሮ ድሕንነትን ሰላምን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ሓላፊ ቢሮ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መንደር ሕድሕድ ተወዲቦም ከባቢኦም ንኽሕልዉ ተፈቒዱ ኢዩ ኢሎም።

ኣወዳድቡኡ ድማ ምስ ኣካላት ፀፅታ እናተናበበ ከባቢኡ ክቆፃፀር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም።

ኩነታት ፀፅታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰላም ይኹን እምበር፥ ምድንጋር ዝፈጥሩ ኣካላት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እናወዓሉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣካላት ፀፅታ ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ምስ ሰላምን ድሕንነትን ዙሪያ ፊንፊኔ ኦሮሚያ ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ጦር መሳርሒ ብዝምልከት ሕጋዊ ይኹን ዘየመዝገቡ ኣካላት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ከመዝግቡ ከምዝግበኦም ኣገንዚቦም።

“እቲ ጦር መሳርሒ ብመንግስቲን እንተተፈሊጡን ሕጋዊ እንተኾይኑን ባዕሉን ፀፅታ ከባቢኡን ንኽሕሉ ክግበር ኢዩ ኢሎም።

መሳርሒ ዘለዎም ኣካላት ከባቢኦም ክሕልዉ ዘይኽሉ እንተኾይኖም ንቐረባ ሰብ ወይ እውን ንመንግስቲ ብሓደራ ሂቦም ክሕለወሉ ከምዝግበር ገሊፆም።

ሰላም ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ስራሕቲ ፍተሻ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ቦታታትን ፍተሸ ከምዝግበር ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ሕብረተሰብ ክተሓባበር ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment