መሳርሒታት ኲናት ሓዊሱ ካልኦት ልዕሊ ብር 18 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መሳርሒታት ኲናት ሓዊሱ ካልኦት ልዕሊ ብር 18 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

18 ሚሊዮን 115 ሺሕን 99 ግምታዊ ዋጋ ካብ ሞንጎ ዘለዎም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ፥ ደረቕ ጫት፣ እኽሊ፣ ትምባኾን ጃልኦት ኣቑሑትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት መቆፃፀሪን መቕረፂ ታክሲን ጉምክ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ተሓቢሩ።

ካብ ውሽጢ እዚኣቶም ብር 13 ሚሊዮንን 470 ሺሕን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ደረቕ ጫት ፅዒኑ እናተጓዓዘ ዝነበረ ተሸከርካሪ ኣብ ጣቢያ መቆፃፀሪ ያቤሎ ኣታዊ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ ሰለስተ ሚሊየን ዝኾኑ ፍርያት ምሸላ ወፃኢን ዘይቲ ብልዒን ድማ ብቱሉጉድሌን ቀብሪበያህን ኣቢሎም እንትኣትዉ ብምትሕብባር ሰራሕተኛታት ጉምሩክን ኣባላት ፖሊስ ፌዴራልን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳን ንምሕጋዝ ዝኣተወ ሓፈሻዊ ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ ብር 1 ሚሊየን ዝግመት ምሸላ፣ ስርናይ፣ ቱምቱሞ ዓይኒዓተርን፥ ካብ ክልል ጋምቤላ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተጉዓዓዘ እናሃለወ ጅማ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ኣብ ጣቢያ መቆፃፀሪ በሆሌን ባሮ ቀላን ከምዝተትሓዘ እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment