“መሰረታዊያን ህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘላቒ ሰላም ንምምፃዕ ዓሊሙ “መሰረታዊያን ህንፀት ሃገር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብሚኒስቴር ሰላም ዝተሰናድአ እንትኸውን፥ መምህራን ዩንቨርስቲን ኣካላት ሚዲያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ፣ ሃገራዊ ክብሪታትን ረብሓታትን እንታይ ኢዮም? ዝብሉ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ዘተ ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፥ ንኹልና ዘዛምደና ሓበራዊ ቤት ሃገራዊ ማንነት ከመይ ንሃንፅ ዝብል ክንዛተየሉ ኣለና ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ሃገር ዝሃነፅናዮም ተረኻት እንታይ እወንታዊን ኣሉታዊን ጎኒታት ከምዝነበርዎም ምዝርራብ ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ብፈቲያ ዓብደላ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment