ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰረተ ልምዓታት ኣቢያተ ትምህርቲ ንምምሕያሽ መዳርግቲ ኣካላትን ሕብረተሰብን ዘሳተፈ ሃገር ለኸ ህዝባዊ ወፍሪ ከምዘካይድ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ሃገር ለኸ ወፍሪ 25 ሰነ 2015 ዓ.ም ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብዕሊ ከምዝጅመር ተገሊፁ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሀኑ ነጋ÷ እቲ ሃገር ለኸ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሕብረተሰብ መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ብምምሕያሽ በዓል ዋና ከይዲ ምምሃር ምስትምገሃር ንምግባር ተሓሲቡ ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ገሊጾም።
መብዛሕትኦም ቀዳማይ ብርኪ፣ ማእኸለዎትን ካልኣይ ብርኪን ኣቢያተ ትምህርቲ እኹል ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዘይረኽባ፣ ፀገም ኤሌክትሪክ፣ መናፅሂ፣ መምሀሪ ክፍሊ፣ ቤተ መፃሕፍቲ፣ ቤተፈተነ፣ መዘውተሪ ስፖርትን ካልኦት ፀገማትን ከምዘለዉዎም ገሊፆም፡፡
ኣብታ ሃግ ዝረኣዩ ፀገማት መሰረተ ልምዓት ቀዳማይን ካልኣይን ኣቢዩተ ትምህርቲ ንምፍታሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com