መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ማሕበረሰብ ንህነፅ ዝብል መበል 45 ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)”መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዘኽብር ማሕበረሰብ ንህነፅ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሓደወርሒ ሙሉእ ዝፀንሕ በዓል መበል 45 ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ተጀሚሩ።

ቀዳማይ ሰሙን እቲ ወርሒ ኣብ ኣመራርሓን ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘተኮሩ ፓነል ዘተታት ከምዝሕሰብ ሚኒስትር ዲኤታ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ወይዘሮ ሙና ኣሕመድ ገሊፀን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣመራርሓን ውሳነ ወሃባይነትን ደቂ ኣንስትዮ ዝተገበረ መፅናዕቲን ዳህሳስ ስርዓት ፆታት ፓርቲታት ፖለቲካን ዝተመልከቱ ፅሑፋትን ልዝብ ክግበረሎም ኢዩ።

እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓታት ንምፍጣርን ውሳነ ወሃባይነተን ዕዉት ንምግባርን ብሕጊ ዝተደፉ ስራሕቲ ንምስራሕ እናተፈተነ ይኹን እምበር ብመንፅር ቁፅሪ እንትረአ ውፅኢታዊ ኣይኮነን ኢለን።

“ስለዝኾነ ድማ ፅባሕ ፕሬዚዳንት፣ ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣዶ መንበር ፓርቲ ንኽኾና ንደልየን ደቂ ኣንስትዮ ሎሚ ክነዳልወን ይግባእ” ክብላ ገሊፀን።

መበል 45 ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ (ማርች 8)፥ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ትምህርቲን ሰገናት ደቂ ኣንስትዮን ዝተዋደደ ተግባር ተኮር ትምህርቲ ጎልማሳታትን፣ ንደቂ ኣንስትዮ ብኢኮኖሚ ምብቃዕን ፆታዊ መጥቃዕቲ ምክልኻል ብዝብሉ ጉዳያት ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ክሕሰብ ኢዩ፡፡

ብመታገስ ኣየልኝ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment