ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መሰል ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ንክኽበር ብሽርክና ከምዝሰርሕ ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋየ፥ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ መሰል ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ንክኽበር ከምኡውን ኣብ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ አመስጊነን።
ብተፈጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዘጋጥሙ ማሕበራዊ ፀገማት እንትወሃብ ዝነበረ ምላሽ ንክጠናኸር ሓቲተን።
ብፍላይ ብድርቂን ጉንፅን ጉድኣት ንዘጋጥሞም ከባቢታትን ክፋላት ሕብረተሰበን ሰብኣዊ ቅልውላው ንከይበኣኣስ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂኣኒስቲዮን ህፃናትን ትሕቲ ዕድመ መርዓ ንከየጋጥምን ፆታዊ መጥቃዕቲ ንከየጋጥምን ማሕበራዊ ድሕንነት ምርግጋፅ ከመዝግባእ ኣገንዚበን።
ተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ጂያን ፍራንኮ ሮቲጂሊያኖ ብግደኦም፥ መሰል ደቂ ኣኒስቲዮን ህፃናትን ንክኽበር ብሽርክና ከምዝሰርሕ ዩኒሴፍ ኣፍሊጦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።