መርከብ ዝኾት ኢትዮጵያ ሃገር ናፅነትን ምዕርነትን ኢያ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ መደረ የስምዑ ኣለዉ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መደረኦም፥ ግልፂን ተኣማኒን መረፃ ብምክያድ ህዝባዊ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ንምጥያሽ ዘብቀዐና ፈጣሪ የመስግኖ ኢሎም።

ኣብ ህልውና ዘንፀላለወ ሓደጋ ንምምካት ኣብ ዱርን ገደልን ዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት ፀፅታን ዘለዎም ኣኽብሮትን ምስጋናን እውን ገሊፆም፡፡

“ኢትዮጵያ ውዕለታኹም ኣይትርስዕን” ኢሎም።

መጥቃዕቲ ኣዶ ሃገር እንትመፅእ ናይ ውልቀ ቅሬትኡ ንደሓር ገይሩ ብሓድነት ንዝለዓል ህዝቢ ልዑል ኣኽብሮት ከምዘለዎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፡፡

ነብሪ ዝንጉርጉሩ ከምዝበሃል ኢትዮጵያዊ እውን ኢትዮጵያዊ ማንነቱ ኣይለቅቕን ክብሉ ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኣርኪዮሎጂ ቀዳመይቲ መሬት ከምዝኾነት ተረጋጊፁ ኢዩ ኢሎም።

ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኢትዮጵያ ከም ትማሊ ክብ ትብለሉ ከምዝኸውን ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኢትዮጵያ ግኑን ስማ ኣብ ሰፊሕ ዓለም ክባፃሕ ትገብረሉ እዋን ከምዝኸውን እውን ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment