መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ግዝኣት ቻይና ብምጥሓስ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርከብ ሓይሊ ሰራዊት ባሕሪ ኣሜሪካ ግዝኣት ቻይና ብምጥሓስ ሎሚ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ቻይና ከምዝበሎ፥ እታ መርከብ ብዘይካ ፍቓድ መንግስቲ ቻይና ኣብ ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና ኣብ ዝርከባ ደሴታት ከባቢ ብወነና ኣቲያ።

ኣፈኛ እዝ ደቡብ ሰራዊት ቻይና ቲያን ጁንሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብቲ ቀጣና ዝተርኣየ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ኣሜሪካ ንሉእላውነትን ድልየት ሰላምን ቻይና ዝዳፋእ ኢዩ።

ብተወሳኺ ዓለም ለኸ ሕጊታትን ርክባትን ዝጠሓሰ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ሰራዊት ቻይና ሉእላውነት፣ ድሕንነት፣ ሰላምን ምርግጋዕን ቻይና ንምሕላዉ ኩሉ ግዘ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝርከብ ምግላፆም ሲ ጂ ቲ ኤን ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment