መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ቀፃሊ ዝሳለጡ ተግባራት ጠሚቱ ምስ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣወጀ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ምንውሑ ስዒቡ ኣብ ቀፃሊ ብዛዕባ ዝስርሑ ተግባራት ጠሚቱ ምስ እዚ ላዕለዋይ መምርሒ ተዛቲዩ።

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ነቲ እዚ ዝተውሃቡ ምኽረ ሓሳባት ኣፈፃፅማ፣ እቲ ኣዋጅ ምስ ተናወሐ ዘሎ እዋናዊ ክልላዊ ኩነታት ብፍላይ ድማ ኢ-ሰብኣዊ ተግባራት ከይፍፀሙ ኣብ ምክልኻልን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቦም ዘቲዮም፡፡

እቲ ክልል ናብ ሰላማዊ ኩነታት ንምስግጋር ዝተሰርሐ ስራሕ ኣንፃራዊ ሰላም ከምዘምፀአን እቲ ሰላም ንምፅናዕ ሕዚ እውን ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ቦርድ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናብቲ ክልል ብምኻድ ክትትል ከምዝገበረ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝተለዓለ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment