መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ፀብፃብ ናይ መስክ ምልከትኡ ዝምልከት መግለፂ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ብጉጅለ ጁታ ህወሓት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣመልኪቱ ዝገበሮ ምልከታ መስክ ዘቕረቦ ፀብፃብ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ መርማሪ ቦርድ፥ ሓይሊ ዕጡቓት ህወሓት ትፍኣት ኣብ ዘብፀሐለን ዝተፈላለያ ከባቢታት ብምዝውዋር ምልከታ ገይሩ ኢዩ።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ ኣብ ፀብፃቦም፥ ጉጅለ ህወሓት ዝፈፀሞ ተግባር መስካሕኽሒ፣ ጭካነ ዝተመልኦን ብዓለም ለኸ ገበን ዘሕትትን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሓይሊ እቲ ጉጅለ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ብሮኬት ዘብፀሖ መጥቃዕቲ እውን ንፁሃን ዜጋታት ዒላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ኣረጋጊፅና ኢና” ኢሎም።

እቲ ጁንታ ኣብ ማይ ካድራ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዜጋታት ዝፈፀሞ ጅምላ ቅትለትን ኣባላት እዚ ሰሜን ብምዕፋን ዝፈፀሞ ተግባርን ክሕደት ሃገርን ዘስካሕኽሕ መጥቃዕቲን ከምዝነበረ ምርግጋፁ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝተፈላለያ ሆስፒታላት ጉድኣት በፂሑዎም ኣብ ሕክምና ዝርከቡ ዜጋታት ግቡእ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ኣይተ ለማ ገሊፆም።

መንግስቲ ገበነኛታት ሃዲኑ ብመሓዝ ተሓተትቲ ንምግባር ዝጀመሮ ፃዕሪ ክቕፅል ከምዝግበኦ ዝሓበሩ እቶም ኣካቢ ቦርድ፥ “እቲ ጉጅለ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕዚ ተበታቲኖም ዝርከቡ ስድራቤት ሰራዊት ምክልኻል ንምርኻብ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ዝተመዛበሉ ወገናት መሊስካ ንምጥያሽን ሰብኣዊ ሓገዛትን ተጠናኺሮም ክቕፅሉ እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብ ፀብፃቡ ኣመላኺቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment