መርማሪ ቦርድ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተጠርጠርቲ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መርማሪ ቦርድ ኣፈፃፅማ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ተጠርጠርቲ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ።

እቲ ቦርድ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት ቂርቆስን ልደታን ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እንታይ ከምዝመስል ኢዩ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡ ዘሎ፡፡

ኣብ እዋን ትዕዝብቱ ድማ ተጠርጠርቲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዘይበፅሖም ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ዝተጠርጠሩሉ ገበን ብህፁፅ ንኽፃረየሎም ጥፍኣተኛ ተፈሊዩ ክሕተትን ንፁሃን ሰባት ድማ ንኽልቀቑ ሓቲቶም።

ኣካቢ እቲ ቦርድ ኣይተ ለማ ተሰማ ብግደኦም ጥሐሰት ሰብአዊ መሰል ዘይምህላዉ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተለዓሉ ቅሬታታት ንምፍታሕ ግን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝዘራረቡሉ ገሊፆም።

ተጠርጠርቲ ኣብ ዝርከቡም መፅንሒ ቦታታት ሓልሓሊፉ ምቁርራፅ ማይ የሃሉ እምበር እቲ ፀገም ንምስትኽኻል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

እቲ ቦርድ ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ሕጋዊ ዘይኮኑ ኣሰራርሓታት ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል እንተጋጢሙ ብቕልጡፍ እናተኸታተልካ መስተኻኸሊ ንኽግበር በቢብርኩ ምስ ዘሎ ውዳበ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ምሕባሩ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment