መርማሪ ቦርድ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ  ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዘለዉ ዜጋታት ዝግበረሎም ዘሎ ክንክን ዝምልከት ዑደት ምግባር ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መርማሪ ቦርድ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ክንክን ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ዘለዉ ዜጋታት ብዝምልከት ሎሚ መዓልቲ ዑደት ምግባር ምጅማሩ ቤት ፅሕፈት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓሊሙ ዝወፅአ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣፈፃፅምኡ ዝከታተል መርማሪ ቦርድ ምጥያሹ ይዝከር።

ስለዝኾነ እቲ ቦርድ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት፥ መንግስቲ ኣብ ፈሊኻ መፅንሒ ንዘለዉ ወገናት ዝሃቦ ትኹረት፣ እቶም ዜጋታት ዘለውሉ ኩነታትን ብመንፅር ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ዘሎ ኩነታትን ብዝምልከት ከምዝዕዘብ ተገሊፁ።

ኣብ ኣፈፃፅማ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምቁፅፃር ዓሊሙ እቲ ዑደት ይካየድ ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment